
ብዲያስፖራ ዝምራሕ ሲቪካዊ መርበብ
ብ: ናሽናል ሶቨረንቲ ስቲሪን ኮሚቴ (NSSC)
ድህረ–ገጽ: www.ESNhub.org | ኢመይል: media@ESNhub.org
መግለጺ መርበብ ልኡላውነት ኤርትራ
January 11, 2026
መርበብ ልኡላውነት ኤርትራ (ESNhub)፡ ነቲ ንልኡላውነት ኤርትራን ዞባዊ ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ እናብኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ጌጋ ትረኻ፡ ከምኡ `ውን ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጠለባትን ዝተዋደደ ዝንቡዕ ሓበሬታን (disinformation) ግብረ፡መልሲ ንምሃብ ብወግዒ ከምዝቖመ ንገልጽ።
እዚ መርበብ`ዚ፡ ብዲያስፖራ ዝምራሕ ሲቪካዊ ተበግሶ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ፡ ምሁራትን ሲቪካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውልቀሰባትን ኣብ ሓደ መኣዲ ብምትእኽኻብ፡ ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሰ: ታሪኻዊ ሰነዳት ብምቕራብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰረት ብምግባር፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ምክልኻል እዩ።
እዚ ምትእኽኻብ’ዚ ንነዊሕ እዋናት ንልዕልና ሕጊ፣ ተሓታትነትን ሓላፍነታዊ ምሕደራን ኣብ ኤርትራ፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝጣበቑ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተበግሶ ዝተመስረተን ዝምራሕን እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ልኡላውነትን ኤርትራ ኩሎም ሃገራዊ ባህግታት ዝምርኮሰሉ መሰረት ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ሓባራዊ ስራሕ ክሰርሕ ወሲኑ::
ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ዘሎ መደናገሪ ትረኻታትን : ዘይሕጋዊ ኣበሃህላታትን፡ ብፍላይ ንግዝኣታውን ባሕራውን ዋንነት ኤርትራ ዝምልከት ዘይሕጋዊ ጠለባት፡ ንንቡራት ወይ ከኣ ንልሙዳት ዓለምለኻዊ ኣገባብት ዘዳኽምን፡ ሓደጋ ዘይምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘስዕብ እዩ። ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተረጋገጸን ዳግም ንዘተ ዘይቀርብ ዝተዓጽወ ጉዳይ እዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ESNhub dot org (ESNhub.org) ከተንብቡ ትዕደሙ።
ጻውዒትምጽንባርናብመኣዲመርበብልኡላውነትኤርትራ፡
መርበብ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ መላእ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብወለንታኦም ነዚ ሓባራዊ ጻዕሪ ክጽንበሩን ንመሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መደናገሪ ትረኻታት ንምምካት ክሕግዙን ይዕድም። ቅኑዕ ሓበሬታ ኣብ ኩሉ ምስ ዝባጻሕ፡ ሓቅታት ምስ ዝኽበርን ኣህጉራዊ ሕጊ ምስ ዝድገፍን ሰላምን ዞባዊ ምርግጋእን ዝበለጸ ይዕቀብ ።
ኣብ ESNhub dot org (ESNhub.org) ብምኻድ ተሳተፉ /ተመዝገቡ ::
ናሽናል ሶቨረንቲ ስቲሪን ኮሚቴ (NSSC)